ብምልሻ ክልል ኣምሓራን ፋኖ ዝተብሃለ ዑጡቕ ጉጅለን ብሓይሊ ተታሒዙ ዝርከብ መሬት ዞባ ምዕራብ ናብ ትግራይ ክምለስ ኣለዎ።

29 ሓምለ 2015 ዓ.ም

ፕሮፌሰር ሽትል ትሮንቮል

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኣብ ፈነወ ሬድዮ ቢቢሲ ብዛዕባ ህልው ኩኖታት ኢ/ያ ኣመልኪቶም ቃለ መሕተት ዝገበሩ ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቅ ኣፍሪካ ፕሮፌሰር ሽትል ትሮንቮል ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝተካየደ ኣዕናዊ ኩናት ደው ንክብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶርያ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ከምዝተካየደ ድሕሪ ምግላፆም እንተኾነ ግና ሐዚ እውን እቲ ዝተካየደ ስምምዕ ሰላም ኣብ ኣተገባብረኡ ፀገማት ከምዘለውዎ ኣመላኪቶም እዮም ።

ፕሮፌሰር ሽትል ትሮንቮል ኣብቲ ኣብ ፈነወ ሬድዮ ቢቢሲ ዝነበሮም ፃኒሒት ወሲኮም ከምዝገለፅዎ ምልሻ ኣምሓራን ፋኖ ዝተብሃለ ዘይስሩዕን ሽፍታ ጉጅለን ሐዚ እውን ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብሓይሊ ጎቢጦም ሒዞም ኣሎዉ ምስ በሉ እዚ ድማ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም እቲ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝርከብ መሬት ናብ ትግራይ ክምለስ ይግባእ ክብሉ ኣረዲኦም።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኣምሓራን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ንዘሎ ክልላዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዕጥቂ ከፈትሕ ምንቕስቓስ ጀሚሩ እኳ እንተነበረ ይብሉ ፕሮፌሰር ሽትል ትሮንቮል ፋኖ ዝተብሃለ ዑጡቕ ጉጅለን ምልሻ ኣምሓራን ግና ዕጥቂ ኣይንፈትሕን ኢሎም ኣብ ጎንፂ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም እዮም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *