ብሚኒስተር ጥዕና ዝምራሕ ጉጅለ አብ ዙርያ ዳግመ ህንፀት ሆስፒታላት ብፍላይ ድማ አብ ማሕኖቆታት ስርዓት ጥዕና ትኩረት ዝገበረ መድረክ ምርድዳእ እናተሳለጠ ይርከብ።

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብኹናት ዘዓነወ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ምስ ዝተፈላለዩ አካላት ብምኻን ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳት እናካየደ ዝርከብ ኾይኑ ናይዚ መቀፀልታ ድማ ብሚኒስተር ጥዕና ዲኤታ ዝምራሕ ጉጅለ አብ ዙርያ ዳግመ ህንፀት ሆስፒታላት ብፍላይ ድማ አብ ማሕኖቆታት ስርዓት ጥዕና ትኩረት ዝገበረ መድረክ ምርድዳእ እናተሳለጠ ይርከብ።

ምክትል ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ፀጋይ በሪሁ አብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈፀመ ጆኖሳይዳዊ ኹናት ስዒቡ ትካላት ጥዕና ትግራይ ኩለ መዳያዊ ዕንወት በፂሕወን እዩ ምስ በሉ ድሕሪ ስምምዕነት ደው ምባል ተፃብኦ ክልቲኦም መንግስታት ዘሎ ከይዲ ትካላት ጥዕና ትግራይ ካብ ዕንወት ካብቲ ሕሉፍ ዝነበሮ ምዕባለ ናብ ዝሓሸ ህንፀት ንምብራክ እዩ ድሕሪ ምባሎም ካብ ፌደራል ኮነ ካብ ካብ ካልኦት አካላት ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ዝንአድ ዋላ ኻ እንተኮነ ግን ድማ ምስቲ ዝበፅሐ ዕንወት እቲ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ አብዚ እቶ ዘይበሃል ብምካኑ ሐዚ ውን አብ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኪሩ ክቅፅል ይግባእ ክብሉ ፃውዒት አቅሪቦም።

አብ ዝሓለፋ ዒስራ ሳላሳ ዓመታት አብ ስርዓት ጥዕና ዝለዓለ ምዕባለ፣ለውጥን ተበፃሕነትን ዝተርአየሉ ምንባሩ ዝሓበሩ ሚኒስተር ጥዕና ዲኤታ ዶክተር አየለ ተሾመ፣አብ ትግራይ በሰንኪ ዘጋጠመ ኹናት ስዒቡ ኩለ መዳያዊ ዕንወት ንዝበፅሖም ትካላት ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምኻኖም ሓቢሮም።

ሜሪ ደሞዝ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *