ብልዕሊ 500 ሽሕ ብር ወፃኢ ምስማዕ ንዝተሰኣኖም ዝሕግዝ መሳርሒ ንልዕሊ 40 ሓርበኛታት ትግራይ ብሓገዝ ተለጊሱ።

ነባርነቶም ኣብ ካናዳ ካልጋሪ ስቴት ኣመራርሓ ምስ ኡራኤል ካናዳ ብምትሕብባር ልዕሊ 500 ሽሕ ብር ወፃኢ ብምግባር ምስማዕ ንዝተሰኣኖም ክሕግዝ ዝኽእል መሳርሒ ብምዕዳግ ንልዕሊ 40 ዝኾኑ ሓርበኛታት ትግራይ ብሓገዝ ኣበርኪቶም።

ነቲ ሓገዝ ዝረኸበ ተጋዳላይ ገዛኢ ንምስማዕ ብጣዕሚ የፀግመሉ ከምዝነበረን ሐዚ ግን ፀገሙ ተፈቲሑ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላፁ እቲ ዝተገበረሉ ሓገዝ ብምምስጋን ንካልኦት ኣካሎም ዝጎደሉ በቢ ዝኸኣሎ ኩሉ ክሕግዝ ፀዊዑ።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ናስር መምሑር እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ድሕሪ ምምስጋን ካልኦት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ዘለው ወገናት ኣብ ጀጋኑ ጉድኣት ኲናት ትግራይ ዘለው ፀገማት ብዘላቕነት ክሳብ ዝፍትሑ ኩሉ መዳይ ሓገዝ ክገብሩ ተላቢዮም’ለው ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *