ብልዕሊ 28 ሚልዮን ብር ወፃኢ ማሕበር እኖታት ንእኖታት ምስ ትካል ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት (ዩኒሴፍ) ብምትሕብባር ንዝዓነዉ ወንበራት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምፅጋንን ምትካእን ትነጥፍ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ኣፍቲ ማሕበር ኣተሓባባሪት ዘፈር ትምህርቲ መምህር ኪሮስ ገብረሂይወት ከምዝገለፅኦ ኣብ 14 ወረዳታት ንዝርከባን ኣብ እዋን ቁሉዕ ወራር ንዝዓነወ ሓበራዊ መቐመጢ ተምሃሮ ወንበር 100 ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ምፅጋንን ናይ ምትካእን ስራሕ ይሳለጥ ከምዘሎን ዛጊድ ኣስታት 7 ሽሕ ወናብር ከምዝተኸፋፈለን ኣረዲአን።

ኣብዚ መስርሕ ፅገና ወናብር 800 መናእሰይ ጉቡእ ሞያዊ ስልጠና ፅገና ወሲዶም ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ከምዘለው መምህር ኪሮስ ወሲኸን ገሊፀን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *