ብልዕሊ 12 ሚልዮን ብር ዝስራሕ ዘሎ ደጋፊ መንደቕ ማይሎሚን ከይዲ ህንፀቱ 75 ሚኢታዊ ከምዝበፀሐ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣፍሊጡ።

ኣካያዲት ስራሕ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ዓብይ ዓዲ

ወይዘሮ ኣሚት ሃፍቱ ከምዝገለፅኦ ብ12 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት ኣብ ምድሓን ተፋሰስን ማይሎሚንን ኣብ ምዕቃብን ምልማዕን ቱሪዝም እቲ ከባብን ልዑል እጃም ከምዘለዎ ብምጥቃስ ህንፀት ደጋፊ መንደቕ ማይሎሚን ፕሮጀክት ብዝተቐመጠሉ ኣንፈት ንምዝዛም ከም ትካል ቤት ማዘጋጃ ደገፍን ክትትልን እናገበረ ከምዝርከብ ሓቢረን።

ኣብ ከተማ ይስርሑ ንዘለው ኩሎም ፕሮጀክታት ኣብ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ብርኪ ከምዝርከቡ ብምሕባር ዝህነፅ ዘሎ ደጋፊ መንደቕ ማይሎሚን ፕሮጀክት እውን ብዝተቐመጠሉ ትልሚ መሰረት ህንፀቱ እናቐፀለ ከምዝርከብ ኣፍሊጠን ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *