ባንዴራ ትግራይን ተጋሩን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ! admin August 25, 2023 ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ኣይኮነን’ዶ ባንዴራ ትግራይ ክተምበልብለላ ትግራዋይ ኮይንካ ንምንባር ኣብ እትሽቑረረላ ዝነበረት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ብባንዴራ ትግራይ ዝተፀምበለ ኣሸንዳ – ደቂ ኣሸንዳን ሰብ ዋና ኣሸንዳን ዝንቀሳቐሱላ ኮይና ክትረአ ጀሚራ’ላ። እዚ ንቶም ሚሒር ፅልኢት ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ትግራዋይነትን ዝነበሮም ሓይልታት ውሽጥን ደገን ተወሳኺ ፅፍዒት’ዩ! admin
“ኣብ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ልዕሊ 13 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝተዘርኡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘራእቲ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ይርከቡ።” – ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ።
ጉዱሳት ኣባላት ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ጨንፈር ሃገረ እንግሊዝ ብልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ብር ወፃኢ ብሰንኪ ቁሉዕ ወራር ንዝተሃሰዩ ናውቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ከተማ ዓዲግራት ፀጊኖም።
13 መስከረም 2016 ዓ/ም ብመሰረት ዝካየድ ዋኒናት ፅገና ካብ ንጉሆ 12 :00 ሰዓት ጀሚሩ ክሳብ ቀትሪ ሰዓት 6:00 አገልግሎት መብራህቲ ኣብ ትግራይ ከም ዝቋረፅ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌትሪክ ትግራይ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ።