ባንኪ ዓለም ብሓደጋ ድርቅን ጥሜትን ከምኡ’ውን ካብ ቤት መረበቶም ንዝተመዛበሉን ዝተሃስዩን ልዕሊ 54,000 ወገናት ዝሕግዝ ፕሮጀክት መፈፀሚ ዝውዕል 18.8 ሚልዮን ዶላር ብምምዳብ ንትግባርኡ መድረኽ ዘተ የካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ ።

እቲ ብባንኪ ዓለም ዝተመደበ በጀት ፕሮጀክት ብመንገዲ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት፣ ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለምን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከምዝሳለጥን እቲ 18 ነጥቢ 8 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ተመዲቡሉ ዘሎ ፕሮጀክት ንኣርባዕተ ዓመት ዝፀንሕ ኮይኑ ን54,396 ተመዛበልቲ፣ ተመለስቲን ግዳይ ሓደጋ ድርቅን ጥሜትን ኣአንገድቲ እዞም ማሕበረሰባትን ተረባሕቲ ዝገብር ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብቲ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሰላሰል ዘሎ መድረኽ ዘተ ንትግባረ እቲ ፕሮጀክትን ኣፈፃፅምኡን ምስ መዳርግቲ ይዝተየሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ዝርዝር እቲ ን4 ዓመት ዝፀንሕ ትሕዝቶ ፕሮጀክት ግን ዝተውሃበ ዝርዝር መብርሂ የለን።

See insights and ads

Boost post

All reactions:

7979

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *