ባህልን ሓድግታትን ትግራይ ብምሕዋይ ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ንምቕያር ብምዕላም ክሰርሐሉ ከምዝግባእ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ነዚ ዘፍለጠ ንሰራሕተኛታት ወረዳ ኣብያተ ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ሃይማኖታዊ ትካላትን ኣብ ድሕሪ ኩናት ክንክን ሓድግታት፣ ሕውየት ትካላት ባህልን ምንቕቓሕ ቱሪዝምን ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ስልጠና እዩ።

ብሰንኪ ኩናት ፅንተት ዝተጉሓለን ዝዓነወን ባህልን ሓድግታትን ትግራይ ክሓውዩን ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ክውዕሉ ክሰርሓሉ ከምዝግባእ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መ/ር ኣንትሮፖሎጂ ሃፍቶም ተኽላይን መ/ር ኣርኪኦሎጂ ሃይላይ ኣፅብሃን የረድኡ።

ኣብቲ ብቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ ዝተዳለወ መዕበይ ዓቕሚ ስልጠና ዝተሳተፉ ሰራሕተኛታት ወረዳ ኣብያተ ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ወ/ሮ ፅጌ ሓለፎምን ኣይተ ሓየሎም በላቸውን ብወገኖም እቲ ኣብ ልዕሊ ባህልን ሓድግን ትግራይ ዝወረደ በደል እዚ ወለዶ ክሕውዮ ይግባእ በሃልቲ እዮም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ባህልን ሓድግታትን ዝበፅሐ ጥፍኣት ንምሕዋይ ከቢድ ዋላ እኳ እንተኾነ እዚ ጉዳይ ህላወን መንነትን ህዝቢ ብምኻኑ ሓድግታት ኣብ ምሕዋይን ናብ ረብሓ ክውዕሉ ምግባርን ውራይ ኩሉ ትግራዋይ ምኻኑ ድማ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶ/ር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር ይገልፁ።

ትግራይ ዘለውዋ ፀጋታታ ናብ ረብሓ ዝይቀየረት ዓዲ ብምኻና ኣብ ዓውደ ቱሪዝም ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ብትኹረት ክስርሓሉ ከምዝግባእ ተገሊፁ’ሎ ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *