ቢሮ ትቪትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ትግራይ ን44 ዲናት መንግስታዊ ኮሌጃትን ኣመራርሓ ስራሕ ሓይሊ ሰብን ኣብ መስርሕ ስቪል ሰርቪስ ዝተደረኸ መዕበይ ዓቕሚ ስልጠና ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ናብ 104᎐4 ራድዮ FM መቐለ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ከምዝሓበሮ እቲ ቢሮ ካብ ዕለት 24-26 ጥቅምቲ 2016 ዓ᎐ም᎐ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ከተማ ዉቅሮ ንቲ ስልጠና ከምዘሰላሰሎን ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር መምርሒ ስርዓት ኣወፋፍራን ምሕደራን ሓይሊ ሰብን መስርሑን ኣዋጅ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣፈፃፅማን ዝብሉ ዛዕባታት ብዝምልከቶም ሰብ ሞያ ሰፊሕ መብርሂ ከምዝተዉሃበ ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *