ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ን5 ከተማታት ትግራይን ካልኦት ኣብያተ ዕዮን ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ናውቲ ቢሮ ብሓገዝ ከምዝረኸበ ተገሊፁ።

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ን5 ከተማታትን ካልኦትን ኣብያተ ዕዮ ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ናውቲ ቢሮ ብሓገዝ ረኺቡ ዘሎ ካብ ፌደራል ምግቢ ውሕስና ከተማታት’ዩ።

ኣብ ስነ ስርዓት ርኽክብ እቲ ናውቲ ዝተረኸባ ካቢኔ ሰክሪተርያት መሰረተ ልምዓት ወይዘሮ ያለም ፀጋይ ፣እቲ ሓገዝ ብኲናት ዝዓነው ናውትታት ዝትክእ ዋላ ኣይኹን ናብ ስራሕ ንምእታው ሓጋዚ’ዩ ኢለን።

ሚንስትር ዲኤታ ሚንስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣይተ ሃንታ ደጀን ኣብቲ እዋን ምርኽኻብ ከምዝገለፅዎ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረዲኦም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ከተማታት ኣኽሱም፣ሽረ ፣ዓዲግራት ፣ዓድዋን መቐለን ንዝርከቡ ኣብያተ ዕዮ ምግቢ ውሕስና ከምኡ እውን ሰለስተ ቢሮታት ክልልን ከምዝውዕል ተገሊፁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *