በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ንግልጋሎት ደም ባንኪ እትዉዕል ሓንቲ ኣምቡላንስ ንሆስፒታል ለምለም ካርል ከተማ ማይጨዉ ብሓገዝ ለጊሶም፡፡

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ደ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፡ እቶም በዓል ሃፍቲ ኣብዚ ፀበባ እዋን ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብምስላፍ ብርክት ዝበሉ ሓገዛት እናገበሩ ዝመፁ እዮም፡፡ ሕዚ ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ንግልጋሎት ደም ባንኪ እትዉዕል ኣምቡላንስ ሓገዝ ብምግባሮም ዝለዓለ ምስጋናና ይግበኦም ኢሎም፡፡ እታ ኣምቡላንስ ኣብ ዞባ ደቡብ ንዘጋጥም ዋሕዲ ደም ንምኽልኻልን ብሰንኪ ዋሕዲ ደም ኣዴታት ፀገም ከይበፅሐን ልዑል እጃም ከምዝህልዋ ወሲኾም ገሊፆም ከም ፀብፃብ ርክብ ህዝብን መንግስት ዞባ ደቡብ ትግራይ ፡፡


0