በዓለ ሲመት ኤጲስ ቆጰሳት

ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ አብ ከተማ አክሱም ሲመት ኤጲስ ቆጰሳት ክሳለጥ እዩ።

ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ መንበረ ሰላማ ካሣቴ ብርሃን ንድወት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቶም 10 ዝሽየሙ ኤጲስ ቆጰሳት 5 አብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወፃኢ ዝምደቡ እንትኮኑ እቶም ዝተረፉ 5 ድማ

1 ንዞባ ደቡብ ትግራይ

1ንዞባ ምዕራብ ትግራይ

1ንዞባ ደቡብ ምብራቅ ትግራይ

1ንመንፈሳዊ ኮለጅ ፍሪሜናጦስ

1ድማ ንጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ዝምደቡ እዮም ክኮኑ።

ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ትግራይ መንበረ ሰላማ ካሳቴብርሃን ቅድሚ ሰሙን አብ ከተማ አክሱም መረፃ ኤጲስ ቆጰሳት ዘሳለጠ ኮይኑ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ሲመት ኤጲስ ቆጰሳት ከምዘካይድ አፍሊጡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *