ቆላሕታ ማሕበረሰብ ዓለም ዝሳኣነ ግፈዒ ህዝቢ ትግራይ

20 መሰከረም 2016 ዓ.ም

ብዓለም ለከ ፋውንዴሽን ሰላም

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ብአሌክስ ዴ ዋልን ቺዲ ኦዲንካሉን ኣብ ድሕረ ገፅ ዓለም ለከ ፋውንዴሽን ሰላም ዘስፈረ መልኣክቲ ከምዘመላከቶ መንግስታት ምዕራባውያን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዝህብዎ ዘለዉ ቆላሕታ ዝተሓተ ምካኑ ብምውቃስ ምምሕዳር ባይደን ንጃምላዊ ግፍዕታት ምላሽ ንምሃብ ዝኽተሎ ስትራተጂን ሕብረት ኣውሮፓ ንመከላኸሊ ግፍዕታት ዝጥቀመሉ መሳርሒን ንኢትዮጵያውያን ዝረብሕ ኣካይዳ ኣይኮነን ክብል ይሕብር ።

ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢ/ያ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተካየደ ኩናት ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ንምስናድ ዝተጣየሸ ጉጅለ እንትኮውን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ወገናት ብሰራዊት ኤርትራ ፣ወተሃደራት ኢ/ያን ዑጡቃት ክልል ኣምሓራን ዝተፈፀሙ ዘሰክሓከሑ ግፍዕታት ግቡእ ምፅራይ ንከይካይድ ብመንግስቲ ፌዴራል ዕንቅፋት እናተገበረሉ እኩል ምትሕብባር ኣይረኸበን ድሕሪ ምባሉ ዝኾነ ኾይኑ ግና ኣብ እዋን ኩናት ትግራይ ዝተፈፀሙ ሰፋሕቲ ግፍዕታት ብዝምልከት እቲ ዝዓበየ ትርጉም ዘለዎ ፀብፃብ ኣሕቲሙ እዪ ክብል ሓቢሩ።

እቲ ዝወፀ ፀብፃብ ምስቲ ኣብ ኩናት ትግራይ ዝተተሓሓዘ ዝተፈፀሙ ከበድቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተማለእ ምርምራ ኣይኮነን ዝበለ ዓለም ለከ ፋውንዴሽን ሰላም እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ስርሑ ከምዘይተዛዘመ የርድእ።

ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተኸተመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦታት ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብቂዑ ስለዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክቕፅል ዝኽእል ርኡይ ሓደጋ የለን ዝብል ዝተሰሓሓተ ኣረኣእያ ምህለዉ ዘረደአ እቲ ትካል እዚ ድማ ዓብይ ስሕተት ምካኑን ብኣንፃሩ ብርክት ዝበለ መሬት ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ ተታሒዙ ይቕፅል ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ድማ ቅትለት ፣ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ፣ ብሓይሊ ምምዝባልን ሓዊሱ ዘስካሕክሕ ግህሰት ይፍፅሙ ኣለዉ ክብል ድሕሪ ምግላፁ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ እውን ሓይልታት ኣምሓራ ተጋሩ ናይ ምፅናት ተግባራቶም ኣጠናኪሮም ይቅፅሉ ከምዘለዉ ኣመላኪቱ እዩ ።

ካብዚ ብተወሳኪ ዓለም ለከ ፋውንዴሽን ሰላም ኣብ ፀብፃቡ ከምዝበሎ ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢ/ያን ዝፍፀሙ ዘለዉ ግፍዕታት ተሓታትነት ክህሉን ፍትሒ ንክረጋገፅን ናፃን ገለልተኛ ዝኮነ ቀፀልቲ ምርመራ ክግበር ኣለዎ ኢሉ ።

#####################

104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *