ቅድሚ 11 ዓመት ልክዕ ከምዛ ሰዓት እዚኣ ንኣእላፍ ዕሸላትን ሕሌናትን ትግራይ ንኣሰሮም ስዒቡ ሓደ ኮኾብ ወዲቑ። መለስ ዜናዊ።

15 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ጅግና ስውእ መለስ ዜናዊ ንሕልፈተ ህይወት ንዘሳጥሖ ሕማም ንኣስታት 10 ዓመታት ተሰኪሙ ንኹሉ ከምኩሎም ዝወደቑ ብፆቱ ንዓፅመ ስጋ ስቓይ ተፃዊሩ ክሳብ ሕልፈተ ህይወቱ ብፅንዓት ንመስመር ህዝብን ውድብን ዓቂቡ ዝወደቐ ተጋዳላይ እዩ ።

ጠንቂ ሞት ሕማም ሓርበኛ ስውእ መለስ ዜናዊ ኣብ 1993 ዓ.ም. ብሰብ ሞያ ጥዕና ብዝተገበረሉ ምርመራ ንስሩት ሕማሙ ከም ዝተሓበሮን ንዚ ስዒቡ ንቲ ዝጀመሮ ሕማም ንምዕጋስን ብህይወት ንምፅናሕን እንኮን ቁልፍን መከላኸሊኡ ካብ ፃዕቂ ስራሕ ወፂኡ ዕረፍቲ ክወስድ ከምዘለዎ ምስ ተሓበሮ መለስ ንሕዱር ሕማሙ ንስድራቤቱን ንመዘና መቃልስቲ ብፆቱን ብግልፂ ሓቢርዎም’ዩ። ንዚ ዘይፈልጥ ላዕለዋይ መሪሕነት ክኣ ኣይነበረን።

ብዛዕባ ጠንቂ መስዋእቲ መለስ ዜናዊ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተፈላለዩ ሓሳባት እንዳተዉሃበ ቡዙሕ ክበሃለሉ ፀኒሑ’ዩ፡፡ ሓንሳብ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ሓንሳብ ምስ ዝተፈላለዩ ነገራት ብምትሕሓዝ ኮነይ ተባሂሉ ብሓይልታት ደገ ከምዝተቐተለ ቡዙሕ እኳ እንተተብሃለ እቲ ጥረ ሓቂ ግን እዚ’ዩ።

መለስ ዜናዊ ንቲ ብሰብ ሞያ ጥዕና ዝተዉሃቦ ሕክምናዊ ማዕዳ ሸለል ስለዝበሎ ግን ኣይነበረን፡፡ ንዚ ካብ ዝንገሮ ጀሚሩ ኣብ’ቶም ዝተሰላሰሉ ጉባኤታት ዉድብ ህወሓት/ኢህወደግ ዕረፍቲ ከምዘድልዮ ብተደጋጋሚ ካብ ዝሓትት ፀኒሑ’ዩ፡፡ መለስ ንጉባኤተኛታት “ክዕርፍ ይደሊ’የ” ኢሉ ደጋጊሙ ሕቶ ኣቕሪቡ’ዩ። ዝቕበሎን ዝሰምዖን ኣካል ግን ኣይረኸበን። መለስ ኣብ ቅድሚኡ ደዉ ኢሉ ተገቲሩ ዘሎ “መስዋእቲ” ምዃኑ እንዳፈለጠ ልዕሊ ሩሑ ፣ ደቁን ሓዳሩን ንመስመር ዉድቡን ህዝቡን ኣቐዲሙ ንመስዋእቲ ዝሰጠጠን ዘሀገረን ጅግና መራሒ’ዩ፡፡ ንተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና መለስ ዜናዊ ኣፀቢቑ ዝፈልጥ መሪሕነት ህወሓት/ኢህወደግ’ዉን ንመለስ ዕረፍቲ ከምዘድልዮን ከዕርፍ ከምዘለዎን ሞጕቱ ንጉባኤተኛታት ከረድእ ኣይከኣለን፡፡ ንሑዱር ሕማም መለስ ዜናዊ ዘይፈልጥ ጉባኤተኛታት ድማ ንጫፍ ብልሒ መሪሕነት መለስ ዜናዊ ክኸስሮ ስለዘይደለየ ጥራይ መሪሕነት መለስን ክዉንነት ስግኣት ጥዕና መለስን ብጉባኤተኛታት ከይተናበቡ ብሰንኪ ምፅንሖም በቲ ሓደ ገፅ ፤ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ዉድብን ህዝብን ንዝሃቦ ሓላፍነት ብሑዱር ሕማሙ ምምስማስ ዘይርቡሕ ምኽንያት ገይሩ ስለ ዝቖፀሮን ንረዚን ሓላፍነት እቲ ዉድብን ህዝብን ልዕሊ ጥዕናዊ ኩነታት ቀዳምነት ብምሃብን ብምስራዕን ኣብ ልዕሊ ሑዱር ሕማሙ ንረዚን ዉድባዉን ህዝባዉን ሓላፍነትን ምስ ቃንዛ ዓፅመ ስግኡን ከቢድ ሕማሙን ኣላፊኑ ብምስካም ክሳብ ሕልፈተ ህይወቱ ከም ሽምዓ እንዳመኸኸ ዝተሰወአ ጅግና ወዲ ህዝቢ’ዩ፡፡፡

መስዋእቲ መለስ ንመለስን ስድራቤቱን ከምኡዉን ካብ መስመር ዉድብ ፈተኽ ንዘይበሉ ብፆቱን ብኣዉሩኡ ኽኣ ንቲ ደም ዝነብዐሉ ህዝቡ ጥራይ ዘይኮነስ ሃገር ከም ሃገር ኣብ ሓደጋ ዝኣተወት ድሕሪ ሕልፈተ ህይወቱ’ዩ ነይሩ። ንሓንቲ ሃገር፣ህዝቢ፣ሰላም፣ስራሕቲ ልምዓት፤ፖለቲካዊ መሪሕነት – መስመር ጥራይ ንበይኑ እኹል ከምዘይኮነን ንመስመር’ዉን ብዓል መስመር ከምዘድልዮ ድሕሪ መስዋእቲ መለስ ተጋሂዱዩ፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *