ቁፅሪ መወቲ ኮሮና ቫይረስ ኣሜሪካ 600 ሽሕ በፂሑ፡፡

ዜጋታት ኣሜሪካን፣ ካልኦት ሰብ ሞያ ጥዕናን ከምዝገለፅዎ እንተኾይኑ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝተርኣየ ሓያል ምልባስ ኮቪድ-19 ቀንዲ ተሓታቲ ነበር ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ እዮም፡፡

እዚ ዘበሎም ቀንዲ ምኽንያት ድማ ነበር ፕረዝደንት ትራምፕ ንቫይረስ ኮሮና ቫይረስ ቻይና እዩ ብምባል፣ ነቲ ሕማም ኣቃሊሎም ብምርኣይ ከምዝኾነ ይግለፅ፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ክሳብ ሕዚ ዜና ዝተሰርሓሉ ሰዓት ኣታሒዙ ልዕሊ 33 ሚሊዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉን፣ ኣስታት 600 ሽሕ ድማ ሞይቶም እዮም ይብል ፀብፃብ france-24፡፡


0