ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ተቐባሊ ንግስና ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ቢን ኣብዱላዚዝ ብ”ቴሌፎን” ተዛቲዮም።

ተቐባሊ ንግስና  መሓመድ ቢን ሳልማን፥ ውድባት ፖለቲካ ሱዳን ናብ መድረኽ ሰላም ንክመፅኡ ኢትዮጵያ ንዝገበረቶ ፃዕሪ ንኢዶም።

እዛ ሃገር ኣብ ቀጠና ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንክህሉ እትገብሮ ንዘላ ተግባር ስዑዲ ዓረብ ከምእትድገፍ እውን ኣብ እዋን እቲ ዘተ ምግላፆም ኤጀንሲ ፕሬስ ስዑዲ ዘጊቡ።

ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣመራረሓን መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይሊን ሱዳን ስልጣን ንምምርቓሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ቅድሚ ክልተ መዓልታት ምፍርራሞም ይዝከር።

ኣብ እዋን እቲ ምንባር ክታም፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሓዊሱ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ መሃመትን መራሕቲ ካልኦት ሃገራትን ከምዝተረኸቡ ይፍለጥ ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments