”ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ካብ ክውንነት ወፃእ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ዝተዛረብዎ ዘረባ ቁልጡፍ መአረምታ ክገብሩሉ ይግባእ።” ኣብ መዕቆቢ ሱዳን ሓሸባ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ተጋሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ”መብዝሕትኦም ተመዛበልቲ ተጋሩ ናብ ቤት መረበቶም ተመሊሶም እዮም” ብምባል ኣብ ባይቶ ተወከልቲ እታ ሃገር ዘቅረቦ መልእኽቲ ብቁልጡፍ ክእረም ከምዝግባእ ብዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ገሊፆም።

ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ተነድባን ኣምራኩባን ሃገረ ሱዳን ምስላጦም ስዒቡ ሎሚ ድማ ኣብ ሃገረ ሱዳን መዕቆቢ ተመዛበልቲ ተጋሩ ኣንፃር መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዘቅንዐ ናይ ተቃዉሞ ሰልፊ ኣብ ሱዳን መዕቆቢ ሓሸባ ዝርከቡ ብዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝገለፅዎ እቲ ዘረባ ፖለቲካዊ ሃልኪዩ ድሕሪ ምባል ንሕና ተመዛበልቲ ናብ መረበትና ንኽንምለስ ተደራደረትን ኣደራደርትን ዉዕሊ ፕሪቶርያ ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ተግባር ክሰጋገሩ ፀዊዖምለዉ ከም ፀብፃብ TMH።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *