ስነጥበባዊ ሚሊዮን ብርሃነ ኣብ ከተማ መቐለ ንዝርከብ ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋዉያን ሕሙማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍሬምናጦስ ብኣካል ብምምፃእ ጎብንዩ። ንቲ ማእኸል ንምሕጋዝ ክኣ ቃል ኣትዩ።

ኣብ ትካል ፍሬምናጦስ ዝስርሑ ሰናይ ተግባራት ተዘዋዊሩ ድሕሪ ምርኣይ እቲ ማእኸል ንዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ባዕሉን ንኻልኦት ስነጥበባውያን ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንቲ ትካል ንምድጋፍ መደብ ሒዙ ከምዝተመለሰ ካፍቲ ትካል ዝተረኸበ መረዳእታ ሓቢሩ።

ብዛዕባ ዑደት እቲ ስነጥበባውን ዝሃቦ ርኢቶን ኣመልኪቶም – መስረትን ኣካየድቲ ስራሕን ፍሬምናጦስ ኣባ ገብረመድህንን ኣባ ሳሚኤልን ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ክሳብ ክንድዚ ሰብኣውነት ደገፍ ዝገብር ማእኸል መሐብሐቢ ከምዘሎ ኣይፈልጥን ነይረ። ሐዚ ግን ንዚ ማእኸል ንምድጋፍ ንስነጥበባውያን ኣተሓባቢረ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና ከምዝበለ ሓቢሮሞ።👇👇

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *