“ስርዓት ንግዲ ትግራይ ንምዝማን ግድን ብቴክኖሎጂ ክሕገዝ ኣለዎ።” – ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ።

ስርዓት ንግዲ ትግራይ ንምዝማን ግድን ብቴክኖሎጂ ክሕገዝ ስለዘለዎን ንዚ መስርሕ እዚ ንምትእትታው ቅድመ ምድላው ብምውጋን ንማሕበረሰብ ንግዲ ስልጠና ይህብ ከምዘሎ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ገብረመስቀል ታረቀ ከምዝሓበርዎ ስርዓት ንግድና ንምዝማን ግድንን ብሕግን ቴክኖሎጅን ክድገፍ ስለዘለዎ ኣብ ኢድና ብዘሎ ሞባይል ስልክና ስርዓት ንግድና ክነዘምን ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ስርዓት ንግዲ ንምዝማንን ብቴክኖሎጂ ንምድጋፍን ዓሊሙ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ንዝመፁ ማሕበረሰብ ንግዲ ስልጠና ይወሃብ ከምዘሎ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *