ስርዓት ህግደፍ በዝሒ ቁፅሮም ንዘይተነፀሩ ንወተሃደራት ሃገረ ሶማልያ ወተሃደራዊ ስልጠናታት መካናይዝድ ፣ ፍሉይ ሓይሊ ባሕርን ምድርን – ሓይሊ ኣየርን ይዕልም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ የማነ ገብረመስቀል ትማሊ ኣብ ወግዓዊ ገፅ ትዊተሩ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ ከምዝሓበሮ ፕረዚደንት ሃገረ ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝሓለፈ ሰምበት ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዎም ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ንዝዕለሙ ዘለዉ ወተሃደራት ሃገሮም ምስ ኣቦ መንበር ስርዓት ህግደፍ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ብሓባር ወግዓዊ ምብፃሕ ከምዘካየዱ ዕላዊ ገይሩ’ሎ።

እቶም በዝሒ ናይ ዝስልጥኑ ዘለዉ ወተሃደራት ሶማልያ ብክልቲአን ሃገራት ብሱቱር ተታሒዙ ከምዘሎን ዛጊድ ፕረዚደንት ሃገረ ሶማልያ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ዕድመ ስልጣኖም ንራብዓይ ግዜ ናብ ኤርትራ ከምዝተመላለሱ ተረጋጊፁሎ።

ኣብዚ ናይ ሕዚ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበርዎ ፈላሚ ርክብ “ኣብ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታት ከምኡ’ውን ክልተኣዊ ረብሓ ንዘለዎም ዞባዊ ምዕባለታት ዓሚቝ ዘተ ከምዘካየዱ ክልቲኦም መራሕቲ በብዝዉንንዎ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊፆም ኣለዉ።

ኣብ 2009 ዓ ም ፈረንጂ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሶማልያን ብውሳነ 1907 ዝፍለጥ ማዕቀብ ኣፅዋር ኣንቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ እቲ ተነቢሩ ዝፀንሐ ማዕቀብ ኣብ 2018 ዓ ም ፈ ምስ ኢትዮዽያ ሙስሉይ ዉዕል ሰላም ምፍርራሞም ስዒቡ ተላዒሉዩ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ፈላማይ እግሪ ዑደቶም ንቶም ኣብ ኤርትራ ክዕለሙ ዝተልኣኹ ኢሰያስ ናብ ዉግእ ትግራይ ክርኩዑ ድሕሪ ምግባሩን እቶም ዝኣተዉ ሰራዊት ሶማል ብ TDF ምስተጨልገሙ ኣብ ህዝቢ ሶማል ከቢድ ቁጠዐ ስለዝተልዓለ ንዚ ንምፍታሕ ናብ ኤርትራ ምብፃሕ ብምክያድ ብዛዕባ እቶም ወተሃደራቱ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተዘራረበ ጥራይ መግልፂ ኣዉፂኦም ነይሮምዮም።

ኣቦ ወንበር ስርዓት ህግደፍ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልአ እዋን ምስ ኩሎም መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮዽያ ምስዝኾኑ ሃገራት ኬንያ ሰሜንን ደቡቡን ሱዳን ድሕሪ ምርኻቡ ዝሓለፈ ሰምበት ድማ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ከተማ ኣስመራ ተራኺቦም ኣለዉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *