(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) መሬት እናላሳለሱን እናልምዑን ዝረኸብናዮም ሓረስቶት ጣብያታት ሰላምን ደብረብርሃንን ዝኾኑ ፣ ኣይተ መዝገበ ኣርኣያን ኣይተ ኣብርሃ ተስፉኡን ከም ዝሓበርዎ ፣ ቅድም ኢሎም ኣብ ልምዓት መስኖ ብምንጣፎም ኣብ ዝሓሸ መነባብሮ ይነብሩ ከም ዝነበሩ ብምዝኽኻር ፣ በዚ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ተስፋ ሰላም ተጠቒሞም ነቲ ዝነበሮም ብሉፅ ተሞክሮ ምልማዕ ልምዓት መስኖ ንምቕፃል ፣ጎናጎኒ ምእካብ ዘራእቲ ፣ ንልምዓት መስኖ ዝኸውን መሬት ኣብ ምልስላስን ኣብ ምልማዕን ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ሓቢሮም። ሕፅረት መዳበርያ ከየጋጥሞም ድማ ብኣግኡ ስግኣቶም ገሊፆም።
ኣብ ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ሓውዜን ፣ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ልምዓት ዘራእትን መስኖን ዝኾኑ ኣይተ ተኽላይ ኣረጋዊ ብወገኖም ፣ ኣብታ ወረዳ ኣብዚ ዓመት ዚ ፣ ልዕሊ 1ሽሕን 400 ሄክታር መሬት ብመስኖ ንምልማዕ ትልሚ ከም ዘሎን ፣ ዛጊድ 3 ሚእቲ ሄክታር ዝኸውን መሬት ለሚዑ ምህላውን ብምግላፅ ፣ሓረስቶት እታ ወረዳ ዘራእቶም እዋኑ ካብ ዘይሓለው ዝናብ ብምክልኻል ቀልጢፎም ናብ ልምዓት መስኖ ንኽኣትው ፣ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ፣ ሰብ ሞያ ሕርሻን ኣካላት ፀጥታን ተዋዲዶም ሰፊሕ ምርብራብ የካይዱ ከምዘለው ኣፍሊጦም።
ሓረስቶት ዘልዕልዎ ዘለው ሕፅረት መዳበርያ ከየጋጥም ድማ ፣ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብእዋኑ ብምዝርራብ ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ፣ ኣይተ ተኽላይ ኣረጋዊ ሓቢሮም ክብል ፣ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝብን ሓበሬታን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ።