ስላሴ ጥሪ ኣብ ሽረ እንዳስላሴ ብልዑል ፅምብል ንምኽባር ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ በፃሕቲ ዓድን ሰዓብቲ ሃይማኖትን ናብ እንዳስላሰ ሽረ ኣትዮም’ለው።

ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን ውድብ ህወሓትን ኣብ ዝተረኸቡሉን ካልኦት ጉዱሳት ሰብ ሃፍቲ ዘሳተፈ ብኣጋጣሚ እቲ ክብረ ብዓል ኣብ ዝተዳለወ ኣብ ጉዳይ መፃኢ ዕዮ ልምዓት ሽረ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ንስለ ክብረ ብዓል ስላሰ ጥሪ ሽረ እንዳስላሰ ክካየድ ዝቐነየ ግጥማት ኩዑሶ እግሪ’ውን ብዓወት ሰብዓ እንደርታ መፈፀምታ ረኺቡ’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *