ዓለምለኸ ኩባንያ ቴሌኮም ሳፋሪኮም ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ዝርግሐ ኔትዎርክን መሰረተ ልምዓትን ንምስላጥ ኣብ ዘኽእሎ ኩነታት ኣድሂቡ ምስ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ምስ ላዕለዎት ኣመረራሓ ጊዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝዘተየ ሳፋሪኮም ኢትዮጲያ ዕላዊ ገይሩ ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ካምፓኒ ዊም ቫንሄለፑትን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ሳፋሪኮም ኢትዮጲያ ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም ምስ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ዝርግሐ ኔትዎርክን መሰረተ ልምዓትን ኣመልኪቶም ዕውት ዝኾነ ልዝብ ከምዘካየዱን ብተመሳሳሊ ምስ ሓላፊት ካቢኔ ጉዳያት መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ያለም ፀጋይ እውን ዘተ ከም ዘሳለጡን ኣረጋጊፁ ኣሎ ።
