ሲስተር መድህን ተስፋይ ዓለም ለኸ ሽልማት ሮሜሮ ተበርኪቱላ::

11 መሰከረም 2016 ዓ.ም

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ሲስተር መድህን ተስፋይ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ደቒ ኣንስትዮ ኣብ ምሕጋዝን ህይወት ዘድሕን ስራሕ ኣብ ምስራሕን ንዝነበራ ፍሉይ ተወፋይነትን ሰናይ ተግባርን ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ዋዕላ ትሮካየር ኣህጉራዊ ሽልማት ሮሜሮ ከምዘተበርከተላ ተገሊፁ እዩ።

መርበብ ሓበሬታ ትሮካይር ከምዝፀብፀቦ ኣብ ክልል ትግራይ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝፀንሐ ጎንፂ ንዝተፀገመ ህዝቢ ኣብ ምሕጋዝ ዘርኣየቶ ዝናኣድ ምንቅስቓስ እውን ክብሪ ተዋሂብዋ ኣሎ ።

ሲስተር መድህን ተስፋይ ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ጉባኤ ትሮካይር ተረኺባ ምንባራ ዝተገለፀ እንትኮውን ኣብቲ ጉባኤ ትሮካየር ሮሜሮ ኣህጉራዊ ሽልማት ብኣቦ መንበር ናይቲ ትካል ዝኾኑ ጳጳስ ዊልያም ክሬን ከምዝተውሃባ እውን ንምፍላጥ ተካኢሉ እዩ ።

************************

104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *