ሱዳን ድሕሪ 23 ዓመታት ኣብ ሑቡራት ኣመሪካ ኢምባሲኣ ብምኽፋት ኣምባሳደር ኣብ ሑቡራት ኣመሪካ ሸይማ፡፡

ሱዳን ድሕሪ 23 ዓመታት ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ሕቡራት ኣመሪካ ሱዳናዊ ኣምባሳደር ኑረዲን ሳቲ ምሻማ ስዒቡ ሓድሽ ዝተመዘዙ ኣምባሳደር ኑረዲን ሳቲ ብሓሙስ 17 መስከረም ናብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብምቕራብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ወረቐቶም ኣረኪቦም፡፡ኣመሪካን ሱዳንን ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ‘ቻርጅ ደ’ኣፌር’ ደኣ’ምበር፣ ብደረጃ ኣምባሳደር ስሩዕ ዝምድና ኣይነበረንን።ኣምባሳደር ኑረዲን ሳቲ ምስ ማዕከን ዜና ስካይ ኒውስ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመጠይቕ ድሕሪ 23 ዓመታት ንዝተኸፈተ ኤምባሲ ሱዳን ኣብ ሑቡራት ኣመሪካ ክመርሑ ምምዛዞም ዝተሰመዖም ሓበን ድሕሪ ምግላፅ ፣ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሓድሽ መስርሕ ዝምድና ካብ ዝኣትዋ ንድሓር ክልትኣዊ ፅዑቕ ዘተ የካይዳ ከምዘለዋ ገሊፆም።ኣመሪካ ንሱዳን ካብ መዝገብ መወልቲ ሽበራውያን ከተውፅኣ እንተኾይና መንግስቲ ሱዳን ኣብ 1998 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ዝርከብ ኤምባሲታት ኣመሪካ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ስዒቡ ንቤተሰብ ግዳያት ካሕሳ ንምኽፋል ፤ ንፕረዚዳንት ሃገረ ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ናብ ዓለም ለኸ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ንኸረክብ ንዝቐረበሉ ቅድመ ኩነት ምስምምዑ ስዒቡ’ዩ ዝምድንአን ክመሓየሽ ክኢሉ ዘሎ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments