ሱልጣን ሓንፈሬ ዓሊምራሕ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ መበል 74 ዓመቶም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም፡፡

ሱልጣን ሓንፈሬ ዓሊምራሕ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ መበል 74 ዓመቶም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም ዘለዉ ሕክምናዊ ሓገዝ ኽግበረሎም ድሕሪ ምፅናሕ’ዩ ፡፡ ስነ ስርዓት ቀብሮም ፅባሕ 11መስከረም 2013 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣሳይታ ሓደሌጌራ ከምዝፍፀም ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ዓፋር ኣፍሊጡ’ሎ፡፡ ሱልጣን ሓንፈሬ ዓሊምራሕ ካብ ፕረዚዳንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ክሳብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሃገረ ኩዌት ኮይኖም ዘገልግሉ’ዮም፡፡ብሞት ሱልጣን ሓንፈሬ ዓሊምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ’ሎ፡፡ 104.4 ሬድዮ FM መቐለ’ዉን ንስድራቤት ሱልጣን ሓንፈሬ ዓሊምራሕ ፅንዓት ይምነ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments