04 መስከረም 2016 ዓ/ም
ኣብ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ኣብ ምጥፍፋእ ሓፂነመፂን ተሽከርከርትን ማሽነሪታትን ካብ ሰብ መዚ መንግስቲ ሰራዊትን ክሳብ ሰራሕተኛታት መስፍንን ባዕሉ መስፍን ኣብ ምእካብ ሓፂነ መፂን ክነጥፋ ፍቓድ ዝሃበን ማሕበራትን ኣብ ቃልዕ ጉሕለትን ምጥፍፋእን ሓፂነ መፂን ተሽከርከርትን ማሽነሪታትን ሱታፌኦም ዑዙዝ ከምዝነበረ ሓይሊ ዕማም ምፅራይ ኣብ ምጥፍፋእን ጉሕለትን ሓፂነ መፂን ተሽከርከርትን ማሽነሪታትን ኣፍሊጡ።
ሰራሕተኛታት መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ሰብ መዚ መንግስቲን ሰራዊትን ከምኡ’ውን መስፍን ኣብ ምእካብ ሓፂነ መፂን ክእክባን ክነጥፋን ዝተፈቐደለን ማሕበራት ሰፍ ዘይብል ጉሕለት ካብ ምፍፃሞም ንላዕሊ መንግስቲ ንዚ ንምፅራይ ትእዛዝ ድሕሪ ምሃቡ ንሓፂነ መፂን ተሽከርከርትን ማሽነሪታትን ኣብ ዘይግመት ቦታ ሓቢኦሞ ካብ ዝነበረሉ ቦታ ብርክት ዝበለ ሓፂነ መፂን ተሽከርከርትን ማሽነሪታትን ከምዝተረኸበ ድሕሪ ምግላፅ ንዚ ዝገበርሉ ቀንዲ ምኽንያት ካብ ላዕለዎት መንግስትን ንዚ ሚስጥር ቅርበት ካብ ዘለዎም ሓበሬታ ምርካቦም ስዒቡ እቲ ሓይሊ ዕማም ምፅራይ ንኸይረኽበን ብዙሕ ከምዝተፅዓረ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ምትእስሳር ክሳብ ላዕሊ ዘለው ኣካላት ዝተጠላለገ ከምዝኾነ ድማ እቲ ሓይሊ ዕማም ኣፍሊጡ።
ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተኣከቡ ሓፂነ መፂን ብኢደ ወነንካ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ 300 ብያጆ ሓፂነ መፂን እንዳተጉሓለ ንማእኸል ዓዲ ብምግዓዝ ብዘይርትዓዊ ዋጋ ከምዝተሸጠን ትግራይ ካብዚ ዓውዲ እዚ ክትረኽቦ ዝግበኣ ዝነበረ እቶት ከምዝሰኣነትን ከቢድ ሃስያ ከምዝወረደን ሓይሊ ዕማም ምፅራይ ኣብ ምጥፍፋእንጉሕለትን ሓፂነ መፂን ተሽከርከርትን ብመራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ብምስሊ ኣደጊፉ ዕላዊ ኣብዝገበሮ ፀብፃቡ ግልፂ ገይሩ።
#ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ