3 ነሓሰ 2015 ዓ.ም
ኣምባሳደር ኢንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ መሊኦም ክወፁ ፀዊዖም።
እቶም ኣምባሳደር ንቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ቃለመሕተት ሰራዊት ኤርትራ ይኹን ኻልኦት ሓይልታት ካብ ኢትዮጵያ ብፍሉይ ድማ ካብ ትግራይ ብምሉእነት ቀልጢፎም ክወፁ ኣለዎም ኢሎም።
“ስምምዕ ፕሪቶሪያ ናይ ወፃእ ሓይልታት ንክወፁ እዩ ዝድንግግ፣ ከም መንግስቲ ኢንግሊዝ ድማ እዚ ክትግበር ይደሊ እዩ” ኢሎም ኣምባሳደር ዳረን ዌልች።
ኣምባሳደር ዳረን ነዚ ዝበሉ ሎሚ ንጉሆ ምስ ልኡኾም ብሙኻን ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዑደት እንተሳልጡ እዩ።