30 ነሓስ 2015 ዓ.ም
ድሕሪ ዝተበፅሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ኩናት እናፈፀመ እዩ።
እዚ ብመፅናዕቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ተረጋጊፁ ትማሊ ተሓቲሙ ኣብ ዘውፅኦ ሪፓርት ዝተገለፀ እንትኾን ሰራዊት ኤርትራ መላፍንቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ በምዃን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ገበን ኩናት፣ ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነት ዝምዘኑ ገበናት ከምኡ እውን ፃታዊ ጥቕዓት፣ ምስዋር ዜጋታት፣ ቕትለት ንፁሃን ተጋሩ ድሕሪ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እውን ከምዝቐፀለ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ።
አፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ተባሂላ እትፍለጥ ኤርትራ በ2021 ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ደጊፋ ሰራዊታ ናብ ትግራይ ኣእትያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሰፍ ዘይብል ግፍዕታት ምፍፃሙ ስዒቡ በመንግስቲ ኣሜሪካ ማዕቐብ ተነቢሩሉ እዩ።
24 ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ባዕዳዊ ሓይልታት ክወፅኡ ዝእዝዝ ዋላ እኳ እንተኾነ ሰራዊት ኤርትራ ሕዚ እውን ካብ ግዛት ትግራይ ኣይወፀኣን ይብል ሪፓርት ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል።
።።።።።።።።።።
104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ