ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ሰብ ኢሮብ ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ኣብ ምፍፃም ከምዝርከብ ዘ ጋርድያን ፀብፂቡ

02 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ህዝቢ ኣብ ከበባ እዩ ዘሎ ንምንታይ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ መዕለቢ ዘይተገበረሉ ኣብ ዝብል ርእሲ ብመርበብ ሓበሬታ ዘ ጋርድያን ዝተፀሓፈ ፀብፃብ ከምዘመላክቶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ስምምዕ ሰላም እኳ እንተተገብረ ሰራዊት ኤርትራ ግና ሐዚ እውን መሬት ትግራይ ጎቢጡ ብምሓዝ ህዝቢ ኣብ ምግፋዕ ይርከብ ምስ በለ ብፈላይ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኢሮብ ከቢድ በደል እናብፀሐ ከምዘሎ ኣረዲኡ እዩ።

ኣብ ትግራይ ተኹሲ ደው ዋላኻ እንተበለ ኣብ ማእኸላት ተመዛበልቲ ዝርከቡ ወገናት ግን እቲ ስቓይ ይቕፅል ከምዝሎ ብምግላፅ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኢሮብ ዝወስዱ ኩሎም መንገድታት ብምዕፃው ትካላት ረድኤት ሰብኣዊ ቀረብ ከየባፃፅሑ ስለ ዝዓግቱ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብስእነት ምግብን መድሓኒትን ኣመና ተሃስዩ ይርከብ ክብል ኣፍሊጡ።

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተጋሩ ብጀምላዊ ዓመፅ፣ ፆታዊ ባርነት፣ ጥምየት ከም መሳርሒ ኩናት ምጥቓም፣ ስቅያትን ጃምላዊ ቅትለትን ኣካይዱ እዩ ምስበለ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ሰብ ኢሮብ እውን ልክዕ ከምቲ ካሊእ ትግራዋይ ዝተኻየዶ ጆኖሳይዳዊ ወራር ተፈፂምዎ እዩ ፤ ይኹን እምበር ድሕሪ ዘተ እውን እንተኾነ ስርዓት መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝተካየደ ስምምዕነት ሰላም ብምጥሓስ ኣብ መሬት ትግራይ ኣትዩ ሐዚ እውን ገበናት ኩናት ኣብ ምፍፃም ይርከብ ኢሉ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢሮብን ካልእ ቦታታት ትግራይን ጥሪት ምዝማትን ሰባት ምጭዋይን ይቕፅል ምህላዉን ብሓይሊ ድማ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኤርትራ ተመልሚሎም ከም ዘለዉ ስግኣት ዘቀመጠ ዘ ጋርድያን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን እቲ ከባቢ ተዓፅየን ስለዘለዋ ሓረስቶት ስራሕቲ ሕርሸኦም ንምስላጥ ሙሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድኹዒን ክገዝኡ ኣይከኣሉን ክብል ኣመላኪቱ እዩ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *