ጀጋኑና ምእንተ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም እዮም ዝበሉ ሰራሕተኛታት ሱር ኮንስትራክሽን፣ ንሕና ድማ ዕላምኦም ብምቕፃል ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ፣ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምስፋንን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ቓልስን መስዋእትን ዓወትን ምዃኑ ዝገለፁ ሰራሕተኛታት ሱር ኮንስትራክሽን፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምዕራፋት ጉዕዝኡ ክገዝእዎን ከጥፍእዎን ዝተልዓሉ ፀላእቲ እናመከተ ህልውንኡ ዘውሓሰ ምዃኑን ኣካል ናይዚ ድማ ጀጋኑና ህልውና ህዝቢ ንምውሓስ ኢሎም ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም ኢሎም።
ስድራ ስውኣትና ክንሕግዝን ዕላማታት ጀጋኑና ክነቐፅልን ኢና ዝበሉ ሰራሕተኛታት ሱር ኮንስትራክሽን፣ ናይዚ ኣካል ዝኾነ ነቲ ሕሰምን መከራን ዘሕልፍ ዘሎ ተመዛባሊ ንምሕጋዝ ናይ ሓደ ወርሒ መሃይኦም ብሽም ዝኽሪ ሰማእታት ኣወፍዮም እዮም ከም ፀብፃብ ድወት።