ሰልፊ ዳያስፖራ ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ።

02 መስከረም 2016 ዓ/ም

እቶም ዳያስፖራ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈፀሙ ገበናት ኲናት ከፃሪ በቲ ውድብ ዝተመልመለ ጉጅለ ኣብ ዝመፅእ 10 መስከረም 2016ዓ.ም ጀሚሩ ንካውንስል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሪፖርት ዘቕርብ እንትኾን ናብ ትግራይ ኣትዩ ብዘይምፅራዩ ሙሉእነት ከምዝጎድሎ ገሊፆም።

ብኻሊእ ገፅ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ዝተፈፀሙ ገበናት ንምሽፋንን እቲ ጉጅለ ስርሑ ከቋርፅን ብስም ስግግር ፍትሒ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝኾነኑ እቶም ዳያስፖራ፣ ነዚ ንምፍሻል ድማ ድምፂ የተኣኻኽቡ ከምዘለዉ ካብ ድረ-ገፅ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *