ሰላምና ነፅንዕ ንዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ንረባረብ ዝሕላገቱ ሃገር ለኸ ኤግዚብሽን ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ’ዩ ተብሂሉ።

04 መስከረም 2016 ዓ/ም

ሰላምና ነፅንዕ ዝዓነወት ትግራይና ዳግም ንህነፅ ብዝብል መሪሕ ቴማ ካብ መስከረም 24 -30 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ንዝካየድ ሀገር ለኸ ኤግዝብሽንን ባዛርን ዘሎ ምድላዋት ኣድሂቦም ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምንኬሽን ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ካሕሱ ንምድያታት ትግራይ መብርሂ ሂቦም።

ኣይተ ሓድሽ ካሕሱ ኣብ መግለፂኦም እዚ ኣብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ባዛርን ኢግዝቢሸንን ብኩናት ዝዓነው ንግድን እንዳስትሪን ንምንቅቃሕ፣ምንቅስቃስ ንግዲ ትግራይ ስርዓት ክሕዝን ብምክንያት ኩናት ዝተረሓሓቑ ማሕበረሰብ ርክቦም ንምጥንኻርን ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢሮም ክትብል መሳርሕትና ጋዜጠኛ ሸዊት ሙሉኣለም ፀብፂባ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *