ብሰንኪ ወረርቲ ሓይሊ ታት ካብ መረበቶም ተመዚቢሎምን ተሰዲዶምን ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ ተጋሩ ሂወቶም ንምድሓን ዝዓለመ ብብርኪ ክልል ወፍሪ ምትእክካብ እቶት ብዕሊ ተጀሚሩ።
እቲ ወፍሪ ምድሓን መንነት ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ኮይኑ
ንተሓጋገዝ፣ንሕወ ፣ንገስግስ ብዝብል ቴማ እዩ ተጀሚሩ ዘሎ።
እቲ ወፍሪ ምትእክካብ እቶት አብ 3 ብርኪ ዝተከፈለ ኮይኑ አብ ሓፂር እዋን ማእከላይን ነዊሕን ተባሂሉ ተኸፋፊሉ አሎ።
እቲ ፈውሪ ብኣሰናዳእነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብአተሓባባርነት ክላስተር እግሪ ምትካልን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
አብቲ ዋዕላ ላዕለዎት ሰብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ላዕለውት ሰብ መዚ ሓይሊታት ፀጥታ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መራሕቲ ውድባት ሰብ ሃፍትን ዕዱማት አጋይሽን ይሳተፉ አለዉ ።