“ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ክራኸብ ኣይደልን፡፡”- ፕረዚደንት ሃገረ ጂቡቲ፡፡

ፕረዚደንት ሃገረ ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምርኻብ ብኣቦ ወንበር ጉጅለ ዕዋሉ ብልፅግና ኣብይ ኣሕመድ ንዝቐረበሎም ዕድመ “ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ክራኸብ ኣይደልን፡፡” ዝብል መልሲ ብምሃብ ከምዝነፀግዎ ንዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ብምጥቃስ ራድዮ ኤረና ገሊፁ።ኣቦ ወንበር ጉጅለ ዕዋለላ ብልፅግና ኣብይ ኣሕመድ ንመራሕቲ ኤርትራን ጂቡቲን ፣ ኣብ ሀዋሳ ንምርኻብ መደብ ሒዙ እኳ እንተነበረ ፕረዚደንት ሃገረ ጁቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ንቲ ፃዉዒት ምንፃጎም ስዒቡ ዉጥን ኣብይን ኢሳይያስን ምፍሻሉ ስዒቡ ካብ ዝሓዝዎ ዉጥን ወፃእ ናብ ከባብታት ጅማን ካልእ ከባቢታትን ኢትዮጵያ ሙስሉይ ናይ ሳልስቲ ዑደት ከካይዱ ከምዝቐነዩ እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ፀብፂቡ።ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባህርዳርን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ከምዘይተፀንበርዎ ዝዝከር’ዩ ዝበለ እቲ ማዕከን ዜና ኣብ ግንባት 2019 ምስ ‘ሻርቕ ኣል ኣውሳጥ’ ዝተብሃለ ማዕከን ዜና ፕረዚዳንት ሃገረ ጁቡቲ እስማዒል ጊለ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ ፤ ሳላ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ ኤርትራን ጅቡቲን፣ ብምምልካት ዶባት ኣብ ናይ መወዳእታ ዕርቂ ክበፅሕ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም ከምዝነበሩ እቲ ማዕከን ዜና ኣዘኻኺሩ።መንግስቲ ጂቡቲ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕብ ዘይተነፀረ ዶብ ከምዘሎ ደጋጊሙ ክገልፅ ከሎ ንዘሰሓሕቡ ነገራት መፍትሒ ኸየቐመጥካ ዝካየድ ሙስሉይን ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዕርቂ ቡዙሕ ከምዘይወሓጠሎም ፕረዚዳንት እታ ሃገር ኣፍሊጦም’ዮም፡፡ ሃገራት ኤርትራን ጁቡትን ኣብ ግንቦት 2008 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከባቢ ራስ ዱሜራ ብዘካየድኦ ውግእ፣ ካብ ክልትኤን ሃገራት 10ታት ወትሃደራት ክሞቱ እንከለዉ፣ ካብ ወገን ኤርትራ 19 ከምዝተማረኹ ይፍለጥ ክብል ሬድዮ ኤረና ወሲኹ ፀብፂቡ።ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብመንጎኝነት ስዑዲ ዓረብ ርክብ ክልቲኤን ተጀሚሩ’ኳ እንተነበረ ቡዙሕ ኽስጉም ከምዘይከኣለን ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እኳ እንተኾነ ኣቦ ወንበር ጉጅለ ዕዋላ ብልፅግና ኣብይ ኣሕመድ ግን ኣብቲ ዝተቓፀለ ሕጋዊ ዕምሪ ስልጣኖም ንዉሽጣዊ ኩነታት ሃገሮም ሰላም ከዉሕሱ ዘይከኣሉ ኣብ ሎሚ በፂሖም ዕምሪ ስልጣኖም ምስተቓፀሎም ዘካይድዎ ዘለዉ ጣቋ ኣልቦ ርክብ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪካ ብቡዙሓት መዘራረቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments