ምስ ምቕያር ሓድሽ ወረቐታዊ ብር ተተሓሒዙ ዝካየድ ዘሎ ክትራን ገንዘብ ዜጋታት የዋፅእ’ዶ?

ምስ ምቕያር ሓድሽ ወረቐታዊ ብር ተተሓሒዙ ዝካየድ ዘሎ ክትራን ገንዘብ ዜጋታት የዋፅእ’ዶ? ኣቦ ወንበር ብልፅግና ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ምስ ምቕያር ሓድሽ ወረቐታዊ ብር ተተሓሒዙ ብቐጥታ ምስ ትግራይን ትግራዋይነትን ብኣዉርኡ ኽኣ ኣብ ልዕሊ ትካላት ትእምት ንምቑራንን ሃፍተ ፀጋ ናይተን ትካላት ንምግባትን ካብ ዘለዎም ዘይሙዕሩይን ዘባልን ህሩፍ ኣረኣእያ ዝማእኸሉ ኣብ ግብሪ ዘዉዓልዎ ዘይሕጋዊ መስርሕ ምትእትታዉ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተወለድቲ ብሄር ዝምታ ሃፍተ ገነት ይካየድ ኣሎ፡፡ብመሰረት እዚ ኣብ ክልል ሶማል ድሕሪ መቐይሮ ስርዓት ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ባንክታት ብዘዉፅእዎ ሓድሽ መስርሕ ምድራት ገንዘብ ባንኪ ስዒቡ ብመሰረት መስርሕ ባንኪ ብዝምእዝዞ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ካብ ባንኪ ንዘዉፅእዎ 200 ሽሕ ብር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ኣብ ኢድኩም ተረኺቡ ብዝብል ካብ ሓደ ተወለዳይ ብሄረ ሶማል ካብ ኣፍልጦን ዉሳነን ቤት ፍርዲ ወፃእ ካብ ትካሎም ብሰብ ጉልበትን ዑጡቓትን ከምዝተመንዝዑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድ ዉልቀሰብ ብዓል ሃፍቲ ተረኺቡ ከሎ ካብ ጎረቤት ሱማሌላንድ ብመንገዲ ዶብ ቶጎውጫሌ ክኣቱ ብሰራሕተኛታት ጉምሩኽ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓለን ከምዝተትሓዘን ብምምሳል ብማዕከናት ዜና ዉድብ ብልፅግና ፋና ፣ ኢቲቪ፣ ዋልታን ካልኦትን ሰፊሕ ሽፋን ዜና ዋላ’ኳ እንተተዉሃቦ እቲ ፀብፃብ ካብ ክዉንነት ዝረሓቐ ከምዝኾነን ኣፍቲ ከባቢ ካብ ዓዲ ዉሽጢ ንሱማሊላንድ ዝወፅእ ዶላርን ዝተፈላለዩ ገንዘባት ደገ’ምበር ንሶማሊላንድ ዝዘልቕ ብር ከምዘየለ ብኣብነት ብምድጋፍ ንቲ ዝቐረበ ካብ ክዉንነት ዝረሓቐ ፀብፃብ ማዕከናት ዜና ከምዝኾነ ሽሞም ኽዕቀበሎም ዝጠለቡ ገለ ነበርቲ ከተማ ጅጅጋ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብባህላዊ መንገዲ ካብ ኣለሻ ወርቂን መሸጥኡን ንዝረኸቦን ዘዋህሎሎን 600 ሽሕ ብር ናብ ባንኪ ንምእታዉ ብሞተር ብሽክለታ ኣብ ጥቓ እቲ ባንኪ ምስበፅሐ ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝዉዋር ገንዘብ ተረኺቡ ክብሉ ካብ ሓደ ተወላዲ ብሄረ ቤንሻንጉል ገንዘቡ ብሓይልታት ፀጥታ ከምዝተመንጠለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡እቲ ዉልቀ ሰብ እቲ ገንዘብ ከመይን ብኸመይን ከምዝኣከቦ ንዘለዎ ፍቓድ ስራሕ ኣሐጊዙ ብተደጋጋሚ ዋላ’ኳ ንቶም ኣባላት ፀጥታ ከረድእ እንተፈተነ ብኣባላት ሓይልታት ፀጥታ እቲ ክልል ሰማዒ ክረክብ ከምዘይከኣለ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባዊ ማዕከናት ዜና ዝነጥፉ ተወለድቲ እቲ ክልል ይቃልዑ’ለዉ፡፡ምስ ምቕያር ሓድሽ ወረቐታዊ ብር ተተሓሒዙ ብኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ንዝወረደ ፋሉል መስርሕን ብግብሪ ዝካየድ ዘሎ ክትራን ገንዘብ ዜጋታት የዋፅእ’ዶ ይኸዉን? ንቐፃሊ ዝረአ ጉዳይ ክኸዉን’ዩ፡፡ 104.4 ሬድዮ FM መቐለ


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments