ምስ መንግስቲ ፌደራል ህፁፅ መድረኽ ዘተ ፖለቲካ ንክጅመርር ጊዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዝሓተተ ማዕከን ዜና ብሕቲ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ ኣቃሊሑ።
ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ድሕሪ’ቲ ምስ ዉድብ ህወሓት ዘካየዶ መድረኽ ሓበራዊ ልዝብ ስዒቡ – ኣብ ትግራይ ሕገመንግስታዊ ስርዓት መሊስካ ኣብ ምትካል ፣ ብዛዕባ ጥሙር መስርሕ መፍትሒ ፖለቲካዊ ፍልልያት፣ ተሓታትነትን ዕርቅን ዘረጋግፁ ፖሊሲ ስርዓተ ጥሙር መስርሕ ስግግር ፍትሒ ኣብ ግብሪ ንምዉዓል ቁልጡፍ መስርሕ ዘተ ፖለቲካ ክጅመር ከምዘለዎ ንፌደራል መንግስቲ ከምዝሓተተ እቲ ማዕከን ዜና ፀብፂቡ
ዘላቒ ሰላም ብምስፋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተዳዕኒኖም ዝርከቡ ኩለ መዳይ ፀገማት ብምፍታሕ ህዝቢ ትግራይ ንሕቶታቱ ዝምልሱን እግሪ ዝተኽለሉን ኩነታት ክፍጠር ይግባእ ክብል መንግስቲ ትግራይ ሕትኡ ንመንግስቲ ፌደራል ከምዘቕረበ እቲ ማዕከን ዜና ሐዚ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ ሓቢሩ።