“ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለና ርክብ ክመሓየሽን ዘይክመሓየሽን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ኣብ ምትግባርን ዘይምትግባርን’ዩ ዝውሰን።” – ሕብረት ኣውሮፓ።

ላዕለዋይ ተወካሊ ጉዳያት ወፃእን ፀጥታን ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦሬል ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ውዕሊ ቶኹሲ ደው ምባል ፕሪቶርያ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ ዕላዊ መግለፂ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለና ርክብ ክመሓየሽ ዝኽእል ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ግብሪ ከይተሸራረፈ ተግባራዊ ምስ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብቐጥታ ከምዝተሓሓዝ ኣፍሊጦም።

ቀያዲ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብኽልቲኦም ወገናት ምኽታሙ ስዒቡ ውግእ ደው ምባሉን ኣንፃራዊ ሰላም ምዕሳሉ ዝነኣድ እኳ እንተኾነ ብመሰረት እቲ ምኽታም ውዕሊ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ግን ሕብረት ኣውሮፖ ብኣተኩሮ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍትሒ ክነግስን ተሓታትነት ክረጋገፅን ትኹረት ሂቡ ምስራሕን ዘይምስራሕን ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ንዝህልዎ ርክብ ወሳንን ቀያድን መስርሕ ምዃኑ ተገንዚቡ ንውዕሊ ፕሪቶርያ ቀዳምነት ሂቡ ከተግብር ኣተሓሳሲቦም።

ሕብረት ኣውሮፓ ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ውግእ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ኣይርሰዖምን ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *