ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜን ፣ካብ ኩለን ጣብያታት እታ ወረዳ ምስ ዝተወከሉ ጀጋኑ ስድራ ስውኣት መድረኽ ዘተ ኣካይዱ።

እቲ መድረኽ ዘተ ንጀጋኑ ስድራ ስውኣት ክብሪ ንምሃብ ፣ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕውየት ንምክያድ ፣ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣብ ጎኖም ምህላው ንምርግጋፅ ፣ኣብ ምንታይ ኩነታት መነባብሮ ምህላዎም ንምፍታሽን ንዘልዕልዎም ፀገማት ኣለሊኻ ፣ ደረጃ ብደረጃ መፍትሒ ንምቕማጥን ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ምኻኑ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገ/ጅወርግስ ገ/ኪዳን ኣብሪሆም።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ዝኾኑ ጀጋኑ ስድራ ስውኣት ብወገኖም ፣ ድሕሪ ብሄራዊ መርድእ ጀጋኑ ደቅና ዝተረሳዕና መሲሉና ብመስዋእቲ ደቅና ጓሂ ተሰሚዑና ነይሩ ፤ ሕዚ ግን ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜን ዘለናዮ ኩነታት ክፈልጥን ፀገምና ክፈትሕን ሓሲቡ ፀዊዑ ከዛትየና ብምኽኣሉ ፣ መስዋእቲ ደቅና ንኸንቱ ከምዘይተረፈን ተስፋ ክንሰንቕን ገይሩና ኣሎ ክብሉ ሓቢሮም።

ዋላ ኳ ብመስዋእቲ ደቅና ንኾርዕን ንሕበንን ንኹን’ምበር ሕዚ’ውን ግን ኣብ ስድራ ስውኣትን ሓፋሽን ኣድልዎን ምንግልታዕን ይፍፀም ስለ ዘሎ ፣ ምምሕዳር እታ ወረዳ ክሳብ ታሕቲ ወሪዱ ብምፍታሽ ፣ብህዝቢ ንዝላዓሉ ዘለው ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ስእነት ፍትሕን ግቡእ ምላሽ ክረኽቡ ብምግባር ጀጋኑ ዝወደቕሉ ዕላማን ስርዓትን ዘቐፅል ስራሕ ንኽሰርሕ ተላብዮም።

ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜን ብወገኑ ኣፍቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት ስድራ ስውኣት ትኹረት ሂቡ መፍትሒ ንምቕማጥ ከም ዝሰርሕን ፣ ኣብ መነባብሮን ሰናይ ምምሕዳርን እቶም ስድራ ስውኣትን ህዝብን ዘሎ ፀገም ዓቕሙ ብዝፈቕዶ መጠን ንምፍታሕ ድልው ምኻኑ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገ/ጅወርግስ ገ/ኪዳን ንተሳተፍቲ ስድራ ስውኣት ኣረጋጊፆም ክብል ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *