ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንመሳለጢ መስርሕ ፀጥታ ዝውዕላ 19 ሞተር ብሽክለታ ንመምርሒ ፖሊስ ከተማ መቐለ ሎሚ ኣረኪቡ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርኽኻብ ዝተረኸቡ ሓለፊ ፀጥታ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣይተ ሃፍቱ ሚኪኤለ ከምዝገለፅዎ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ፀገሙ ተወሰኽቲ ዘለው ናይ ፀጥታ ሽግራት ገበንን ስግኣት ገበናትን ብዘላቒ ንምፍታሕ እተን ሞተር ብሽክለታ ሓገዝቲ ከምዝኾና ገሊፆም።

መምርሒ ፖሊስ ከተማ መቐለ ብወገኑ – ፖሊስ ንዘለዎ ፀገም ሕፅረት ተሸክርከርቲ ኣብ ምፍታሕ እዘን ዝተበርከታሉ ሞተር ብሽክለታ ልዑል ግደ ከምዝህልወን ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *