ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ብወረርቲ ሓይልታት ከቢድ ሃስያ ንዝበፅሖ ህዝቢ ወረዳ ሓሓይለ ብዘይ ትሕጃ ኣገልግሎት ልቓሕ ንምሃብ ዓሊማ ኣብ ከተማ ፈረስ ማይ ጨንፈራ ከፊታ ።

ትማሊ ነበርትን ኣመራርሓ ወረዳ ሓሓይለ ኣብ ዝተረኸብሉ ብዕሊ ተመሪቓ ዝተኸፈተት ቤት ፅሕፈት ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣብ እዋን ቁሉዕ ወራር ንዝተሃሰየ ህዝቢ ናብ ንቡር ሂወት ንምምላስን ብዘይ ዝኾነ ትሕጃ ልቓሕ ብምሃብ ምስ ስራሕ ክተሓሓዝን ብምውሳን ከም ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ናይ ባዕላ ተራ ንምፅዋት ከምዝኾነ ተሓቢሩ ።

ካብዚ ብተወሳኺ ነዘን ድርብ ሓላፍነት ተሰኪመን ዝኸዳ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ምድጋፍን ምስ ስራሕ ምትሕሓዝን ንኩሉ ሕብረተሰብ ምድጋፍ እዩ ዝበሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣደዳይ ማይክሮፋይናንስ ኣይተ ክብረኣብ ኣሳየኸኝ ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ዘውፀኦ መመልመሊ ረቑሓ ዘማልኣ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ውዓል ሕደር ልቓሕ ብምሃብ ናብ ስራሕ ክዋፈራ ንምግባር ቅድመ ምድላዋት ከምዝተወገነ ኣብሪሆም’ለዉ ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *