“ማዕከናት ሓፋሽ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዘሎ ጭቡጥ ህሞት ንዘለወን ዕንቅፋትን መስርሕ መሕንቖታትን ንምፍታሕ ዘኽእል መድረኽ ዘተ ክሳለጥ’ዩ።” -ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ።

ብኽታም ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ – መጋቢ ደሳለኝ ባራኺ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ዕድመ ከምዝገለፆ “ሚድያ ንብሄራዊ ረብሓ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሚድያ ከም መጠን 4ይ መንግስቲ ምዃነን – ማዕከናት ሓፋሽ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዘሎ ጭቡጥ ህሞት ኣብ ከይዲ ስረሐን ዕንቅፋትን መስርሕ መሕንቖታትን ንምፍታሕ ዘኽእል መድረኽ ዘተ 18 ሕዳር ኣብ ኖርዘን ሆቴል መቐለ ከምዘሳልጥ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣፍቲ ፓነል ዝሳተፉ ሰብ ሞያ ሚድያ ፃውዒት ዕድመ ከምዝወገነን ኣፍቲ መድረኽ ዘተ ንዝለዓሉ ሓሳባት መሰረት ብምግባር ቀፃሊ መፍትሒ ሓሳባትን ሙዕሩይ መስርሕ ንምትእትታው ወሳኒ መድረኽ ከምዝኸውን ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ኣተንቢሁ’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *