ማእኸል ሙዝየም ጀጋኑ ሓወልቲ ሰማእታት ኣቋሪፁዎ ዝነበረ ኣጎልግሎት ምሃብ ምዕዛብ ንዑደተኛታት ብዕሊ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ቤተ- መዘክርን ቤተ – መፃሕፍትን ኣይተ ወልደ ሰላማ ተስፋይ ከምዝበልዎ፤ ካብቲ ዘፈር ዑደት ታሪኽ ኽርክብ ዝግበኦ ዝነበረ እቶት ብሰንኪ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት ምሃብ ደዉ ኣቢልዎ ምፅንሑ ስዒቡ ቁጠባዊ ሃስያ ኣስዒቡ’ዩ ኢሎም፡፡ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኩሎም መከላኸሊ ሜላታት ሕማም ኮሮና እናተጠቐምኻ ዳግም ኢኮኖሚያዊ ህንፀት ምክያድ ከምዝካኣል ብምፍቃዱ ንበፃሕቲ ወፃእተኛታትን ውሽጢ ዓድን ከምኡ እውን ንተምሃሮ ኣገልግሎት ምዕዛብ ንምሃብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ካብ ሎሚ ስሩዕ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ ኢሎም፡፡ መዘክር ጀጋኑ ሰማእታት ሓወልቲ ዕላዊ ስርሑ ንምጅማር ብቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዝተነፀሩ ኩሎም መከላኸሊ ሜላታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብምጥቃም ምትእንጋድ ከምዝግበር እቲ ማእኸል ኣብ ድሕረ ገፁ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ’ሎ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments