ማርያም ደንገላት ዝኽሪ ሳልሳይ ዓመት ብጅምላ ንዝተረሸኑ መእመናን ደቃ ኣሰላሲላ።

ማርያም ደንገላት ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ልክዕ ከምዛ ሎሚ ናብ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ ጣብያ በለሶ ፍሉይ ሽሙ ማርያም ደንገላት ንሃይማኖታዊ በዓል ንዝተኣኻኸቡ 164 ንፁሃት ተጋሩ ብኣልማሚት ንዝተረሸኑ መእመናን ደቃ ሎሚ ብፀሎተ ፍትሓት ኣሰንያ ዘኪራ።

ኣፍቲ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ነቶም ንፁሃት ዝወደቑ ወገናት ንምዝካር ፣ ናይ ቀረባ ስድርኦም ካልኦት ምእመናንን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ ስርዓት ጥዋፍ ምብራህ ዝተሳለጠ ኮይኑ ብመራሕቲ ሃይማኖት ድማ ፍትሓትን ፆሎትን ተኻይድሎም ኣሎ።

ኣብቲ እዋን ብዝተፈላለዩ ኣካላትን ስድራ ግዳያት እቶም ዝተጨፍጨፉ ወገናትን ንዝተፈፀመ ግፍዓዊ መርሸንቲ ፍትሒ ክረኽቡ ፃውዒት ኣቅሪቦም ኣለው ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *