ማሕበር ሰላም ሓፈሻዊ ንግዲ ዕዳጋ ማእኸል መቐለ ንሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ 500 ሽሕ ብር ኣረኪባ።

ኣብ ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤ እታ ማሕበር ተረኺቦም ነቲ ሓገዝ ገንዘብ ዝተቐበሉ ኣተሓባባሪ ቤት ፅሕፈት ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣይተ ተስፋኣለም ሃይላይ ፣ሐዚ’ውን ልዕሊ 4.7 ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጥሜት ከምዝርከብ ገሊፆም።

ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ተሓጋጊዝና ክንዎፆ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ተስፋኣለም፣ ማሕበር ሰላም ሓፈሻዊ ንግዲ ዕዳጋ ማእኸል መቐለ ንዝገበረቶ ሓገዝ ገንዘብ ኣመስጊኖም።

እታ ማሕበር ዘለዋ ማሕበረሰባዊ ሓላፍነት ክትፍፅም እያ ዝበሉ ኣቦ ወንበር እታ ማሕበር ኣይተ ኣብረሃ ጥሩነህ፣ ኣባላታ ነቲ ሓገዝ ገንዘብ ክብርከት ብምፅዳቅ ዘርኣይዎ ሓልዮት ንኢዶም።

ማሕበር ሰላም ሓፈሻዊ ንግዲ ዕዳጋ ማእኸል መቐለ 500 ኣባላት ዘለውዎ እንትኾን፣ልዕሊ 69 ሚሊዮን ብር ገንዘብ ዘለዎን ኣብ ከተማ መቐለ ዘመናዊ ማእኸል ዕዳጋ ንምህናፅ ዝተመስረተትን ማሕበር ምዃና ድወት ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *