ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ ን24 ሰዓታት ኣብ ምንፃግ ኬሚካል ወራር ዕስለ ኣንበጣ ልዑል ዓቕሚ ዘለወን 2 ቦጣት ናብ ስራሕ ኣዋፊራ፡፡

ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ ዕስለ ኣምበጣ ንምምካት ለይትን ቐትርን ኣገልግሎት ስራሕቲ ምንፃግ ዘሰላስላ 2 ነፀግቲ ኬሚካል ምስ ማይ ቦጥ ዘመላልሳ ምስ ምሉእ መሳሪሒአን ናብ መኸተ ዕስለ ኣንበጣ ኣዋፊራ።ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ (ማረት) ንቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምምካት ክልተ ብቐትርን ብለይትን ክሰርሓ ዝኽእላ ነፀግቲ ቦጥ መመላለሲ ማይ ሓዊሱ ምስ ምሉእ መሳሪሒአን ኣዋፊራ ከምዘላን እተን ማሽናት ካብ ትማሊ ጀሚረን ኣብ ግንባር ደቡባዊ ትግራይ ከባቢ ኣላማጣ ንዝርከብ ዕስለ ኣምበጣ ዉፅኢታዊ ስራሕ ይሰርሓ ከምዘለዋ ተሓቢሩሎ፡፡ማረት ቅድም ኢሉ እውን ከባቢ 9000 ተተኳሲ ርችት ንተን ብበዝሒ ኣምበጣ ዝኣተወለን ዞባታት ዘረከበት ኮይና ኣብተን ወረዳታት ዝርከቡ ሰራሕኛታት ማረት ድማ ምስ ተሽከርካሪኦም እቲ ዕስለ ካብዝጅምር ጀሚሮም ኣብ መኸተ ዝርከቡ ኮይኖም ንቐፃሊ እውን ሓገዛት ማረት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣፍሊጣ’ላ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments