ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዝተፈፀሙ ጃምላዊ ግፍዕታትን ሐዚ ብዘይምቁራፅ ዝቅፅሉ ዘለዉ ጥሕሰታት ሕግን ሸለል እንተልዎ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣዝዩ እናተበላሸወ ክከየድ አዩ።

˝˝ዓለምለኻዊ ማሕበር ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ˝˝

(30 መሰከረም 2016 ዓ.ም 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣባላቱን ዕድመ ሰልጣን ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ከናውሑ ብዘይምኽኣሎም ዓለም ለኸ ማሕበር ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ዝኮኖነ እንትኮውን እዚ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ካብ ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ዘርኢ ምፅናትን ጃምላዊ ግፍዕን ዝደሓኑን ግዳያትን ሕቖኦም ሂቡም ኢልና ኣትሪርና ንኣምን ክብል ኣብ ዘወፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ ።

ዓለም ለኸ ማሕበር ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ወሲኩ ከምዝበሎ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ዳርጋ ሓደ ዓመት ክመልኦ ኢሉ እካ እንተሃለወ ሐዚ እውን ግና ዑጡቃት ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቀፀልቲ ዝኮኑ ግፍዕታት እናፈፀሙ ኣብ ዝርከብሉ እዋን ኣባል ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕድመ ስራሕ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ከናውሑ ብዘይምኽኣሎም ዘሕፍር ውሳነ አዩ ክብል ገሊፅዎ ኣሎ።

ኣድላይነት ቀፃሊ ኣህጉራውን ናፃን ምርመራ ኢሉ ካብ ዘቅረቦም ሓሳባት ብጉጅለ መርመርቲ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ፀብፃብ ካብ ዝተገለፁ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለምለኸ መንጐኛታትን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦን ስዒቡ ዝተፈረሙ ኣጀንዳታት በሙልእነት ዘይምፍፃሞም ኢሉ ድማ መንግስቲ ፌደራል ንሰብኣዊ መሰላት ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ዘይምኽባሩ ምካኖም ኣመላኪቱ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ዓለም ለኸ ማሕበር ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግሊፂ ከምዝበሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ጉድለት ዘለዎ ምዃኑ ዝገለፀ እንትኮውን እዚ ማለት ብሃገር ደረጃ ዝምራሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ሓቀኛ፣ ንኹሉ ዝሓቁፍ፣ ተኣማንነት ዘለዎ፣ ግዳይ ማእከል ዝገበረ ፍትሒ ከምፅእ ኣይክእልን እዩ ኢሉ።

ማሕበረሰብ ዓለም ሕሉፍ ጃምላዊ ግፍዕታትን ሐዚ ብዘይምቁራፅ ዝፈፅም ዘሎ ጥሕሰት ሕግታት ሸለል እንተኢልዎ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣዝዩ እናተበላሸወ ከምዝኸይድ ዝገለፀ ዓለም ለኸ ማሕበር ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ካብዚ ብተወሳኪ ሕቡራት ሃገራትን ብሓፈሻ ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ምክባር ሰብኣዊ መሰላትን ምክልኻል ግፍዕን ዝተመርኮሰ ኣህጉራዊ ስርዓት ንምኽባር ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቃስ ዘሕዝን ውድቀት ከምዘጋጥሞም ኣረዲኡ ።

ዓለም ለኸ ማሕበር ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ዕድመ ስልጣን ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ክናዋሕ ተሓታትነት ክረጋገፅን ግዳያት ፍትሒ ክረከቡን ተደጋጋሚ ፃዊዒት እናቅረበ ፀኒሑ እዩ ።

ብገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *