“መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣኽሱም ድሕሪ 4 ኣዋርሕ ስሩዕ ኣገልግሎት ክጅምር ይንቀሳቐስ’ለኹ።” – መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ።

መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣኽሱም ድሕሪ 4 ኣዋርሕ ስሩዕ ኣገልግሎት ንክጅምር ውጥን ተታሒዙ ኣብ’ዚ ሳልስቲ ንቲ ስራሕቲ ፅገና ዘሰላስል ትካል ዕላዊ ከምዝግበርን ክሳብ ሐዚ ዝደንጎየሉ ምኽንያት ኣብ ምፅፋፍ እቲ መስርሕ ከምዝፀንሐ ኣፍሊጦም።

ኣብ ትካል መንገዲ አየር ኢትዮጵያ ዋና ኣፈፂሚ ስራሕ ዘፈር ንግዲ ኣይተ ለማየ ያደቻ ንኤመሓት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ እቲ መስርሕ ፅገና ንምስላጥ ናይ ምፅፋፍ ስራሕ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተወገነ ኣረዲኦም።

ኣብ ውሽጢ ሳልስቲ ስራሕቲ ፅገና መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ዘካይድ ትካል ዕላዊ ብምግባር ናብ ስራሕ ከም ዝእቶን ሓፈሻዊ ስራሕቲ ፅገና እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተወጊኑ ስሩዕ ኣገልግሎት በረራ ነፈርቲ ንኽህብ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣይተ ለማየ ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *