መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ 4ይ ኣኽሱም ዳግመ ህንፀቱ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት 2016 ዓ.ም. ተዛዚሙ ስሩዕ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምር ተሓቢሩ።

ኣብ እዋን ቁሉዕ ወራር ጉድኣት ዝበፅሖ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ስራሕቲ ፅገንኡ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብምዝዛም 25 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ስሩዕ ኣገልግሎት በረራ ከምዝጅምር ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓላፊ መሰረተ ልምዓት ኣይተ ኣብይ ዘበነ ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ነዚ ዝገለፁ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዑደት ድሕሪ ምግባር ምስ ሰራሕተኛታት እቲ ፕሮጀክትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ነበርቲ ከተማ ኣኽሱምን ኣብ ዝዘተይሉ እዋን እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *