“መዓልታዊ ምዉታት እናቖፀርና ኣብ ሓዘን ክንነብር ተፈሪዱና ኣሎ።”- ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብምኽንያት መእተዊ ፆመ ነነዌ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝገለፅዎ በብዕለቱ ሬሳታት እናቖፀርና ኣብ ሓዘን ክንነብር ዝተፈርደና ኢና ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ስቡር ልቢ ዝህነፃ ከተማታት ናይ ጊዜ ጉዳይ’ምበር ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ምፍራሰንን ዑና ምዃነንን ዘይተርፍ ጉዳይ’ዩ ዝበሉ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ “ነነዌ ዝዓበየትን ዝማዕበለትን ከተማ እያ ነይራ ኣምላኽ ግን ከም ዝዓነወትን ከም ዝተበላሸወትን ረኣያ” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብዛ ፆም ነነዌ “እቶም ዓመት ምሉእ ኣብ ውግእ ዝነበሩ ኣብ ውሽጢ’ዘን ሰለስተ መዓልታት ኽዕረቑ እቶም ብንስሓ ዝነብሩ ሰባት ድማ ብንስሓ ናብ ፈጣሪኦም ክምለሱ” ቤተክርስትያን ኣዊጃ’ላ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *